ብዛዕባ ሕጊ

ሽወደን ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2018 ዓ. ም. ኣትሒዙ፡ ካብ ኣምር ወለንታ ዝብገስ፡  ሕጊ ወሲባዊ ገበናት ጸዲቑ። ሓደ ሓደ ግዜ’ዉን ሕጊ ምስምማዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ንናይ ሰባት መሰል ምዉሳን ኣብ ኣካላቶምን ጸታኦምን ዘነጽር እዩ። ወሲባዊ ርክብ ብወለንታ ክኸዉን ኣለዎ፡ እንተ ዘይኮይኑ ገበን እዩ። 

ወለንታዊ ወሲብ ማለት፡ ሓደ ሰብ ንወሲባዊ ስጉምቲ ብቓላት ወይ ድማ ብቋንቋ ምልክት ሕራይ ምስ ዝብል እዩ። ምስ ሓደ ሰብ ወሲባዊ ርክብ ክትገብር ምስ እትደሊ፡ እቲ ሰብ ድልየት ከም ዘለዎ ንኣብነት፡ ብምሕታት ምርግጋጽ ከድልየካ/ኪ እዩ።

እዚ ማለት፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ሓሳቡ ናይ ምቕያር መሰል ኣለዋ/ዎ፡ ኣቐዲሙ እንታይ ከም ዘጋጠመን መን ተበግሶ ከም ዝወሰደን ብዘየገድስ። ምስ ሓደ ድልየት ዘይብሉ ሰብ ወሲባዊ ስጉምትታት ምግባር ምቕጻል ገበን እዩ።

ኩሎም ወሲባዊ ስጉምትታት ብወለንታ ክኾኑ ኣለዎም

ንሓደ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምቲ ሕራይ ምባል ማለት፡ ንካልኦት ዓይነት ወሲባዊ ስጉምትታት ኣየጠቓልልን እዩ።ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ኩሎም ሓደስቲ ኩነታት፡ ናይ ካልኣይካ ድልየት ንምፍላጥ፡ ምሕታት ወይ ድማ ብኻልእ መንገዲ ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ሓደ/ንቲ ሰብ ወሲባዊ ርክብ ብኣፍ ንምፍጻም ድልየታ/ቱ ምስ እትነግርን/ዝነግርን፡ ወሲባዊ ርክብ ብርሕሚ ወይ ድማ ብመሃንቱስ ሕራይ ኢላ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ሓድሽ ዓይነት ዝዉሰድ ወሲባዊ ስጉምቲ ንምስታፍ፡ እቲ ተበግሶ መን ወሲድዎ ብዘየገድስ እቲ/ታ ሰብ ብቓላት ወይ ድማ ብምልክት ሕራይ ክትብል/ክብል ኣለዎ/ዋ።

ብፍጹም ወለንታዊ ክኸዉን ዘይክእል ወሲብ

ሓደ ሰብ ኣብ ወሲባዊ ስጉምቲ ወለንታዊ ክኾነሉ ዘይክእል ኩነታት ኣሎ።ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ወሲባዊ ስጉምቲ ምዉሳድ ኩሉ ግዜ ገበን እዩ። እዚ ድማ እቲ/ታ ሰብ ድልየት ምስ እተርኢ/ዘርኢ ኮነ ድልየታ/ቱ ምስ ዝነግር/ትነግር እዉን እንተኾነ።  

 

  • ምግፋዕ፡ ዓመጽን ምፍርራሕን

ዝኾነ ሰብ ከም ሳዕቤን ግፍዒን ዓመጽን ምፍርራሕን ኣብ ወሲባዊ ስጉምቲ ምስ ዝሳተፍ፡ ንኣብነት፡ እቲ ዓማጺ ነቲ/ታ ሰብ ብሓይሊ ሒዙ ምስ ዝፍጽም። ካልእ ኣብነት ድማ፡ እቲ ክስተት ዝፍጽም፡ እታ ናይ ዕርቃን ስእልታት ክዝርግሖ እዩ ኢሉ ምሰ ዘፈራርሕን።   

ከም ገበን ንኽቑጸር፡ እቲ ዓመጽን ምፍርራሕን ዝፈጸመ ሰብ፡ ከም ገበን ንኽቑጸር እቲ ወሲባዊ ስጉምትታት ዝወስን ባዕሉ ክኸዉን ናይ ግድን ኣይኮነን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ወሲባዊ ኣገልግሎት ከፊሉ ምስ ዝረክብ እሞ፡ እቲ ወሲባዊ ኣገልግሎት ትገብር ዘላ ድማ ነቲ ኣገልግሎት ክትፍጽም ግዳይ ናይ ዓመጽን ምፍርራሕን ዝወረዳ ምስ እትኸዉን ወይ ድማ ብኻልእ ምኽንያት ኣብቲ ስጉምትታት ነጸ ድልየት ዘይብላ ምስ እትኸዉንን።

 

  • ብፍሉይ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ኩነታት

እቲ ገበን ዝፍጽም፡ ንሓደ/ንቲ ኣብ ተነቀፍቲ ኩነታት እትርከብ ምስ ዝፍጽሞ፡ ንኣብነት፡ ሰኺራ፡ ብዕጸ ፋርስ ተሰኒፋ፡ ወይ ድማ ሕምምቲ ምስ እትኸዉንን፡ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ወይ ምንዋጽስነ ኣእምሮ ምስ ዝህልዋ።

ካልእ ክኸዉን ዝኽእል ድማ፡ ሓደ ሰብ ብጣዕሚ ክቱር ፍርሒ ዘለዋ/ዎ ምስ ዝኸዉን። ንኣብነት ሓደ ሰብ ብክቱር ፍርሒ ኣካላት በቲ ኩነታት ስጉምቲ ንምዉሳድ ምስ ዝለምስ፡ ፍሮዝን ፍራይት ”ደረቕ ፍርሒ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩነት ምስ ዘጋጥማ/ሞ።

 

  • ሕሉፍ ምጥቃም ንኣባኻ ዝሙርኮስ ሰብ

ፈጻሚ ገበን፡ ንኻልእ ካብኡ ዝሙርኮስ ሰብ ንኹነታት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ’ታ ሰብ ገበናዊ ስጉምትታት ምስ ዝወስድ። ንኣብነት ሓደ መምህር ኣብ ልዕሊ ተመሃራዩ፡ ሓለቓ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኝኡ ክኸዉን ይኽእል።

 

ብዛዕባ ገበናት ምግሳስን ምዕማጽን

ወለንታዊ ዘይኮነ ወሲብ ወይ ወሲባዊ ስጉምትታት፡ ንኣብነት ምግሳስን ምዕማጽን ክኾኑ ክኸዉን ይኽእል። እቲ ኣብ መንጎ ገበናት ዘሎ ፍልልይ፡ እንታይ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምቲ ከም ዝተኸስተ እዩ ዝዉስኖ።

ገበን ምግሳስክበሃል እንከሎ፡ እቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ፡ ስጋዊ ርክብ ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብዘይ ድልየታ ምስ ዝፍጽም እዩ። እዚ ንኣብነት፡ ብርሕሚ- ብመሃንቱስ ወይ ድማ ብኣፍ ክኸዉን ይኽእል። ብተወሳኺ’ዉን ብዝኾነ ነገር ኮነ ኣጻብዕቲ ጌርካ ምቱኽቷኽ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ናይ ገበን ዝፈጸመን ግዳይን ክፍሊ ኣካላት መፍረ ነንኽድሕዶም ምትንኻፍ’ዉን ምግሳስ እዩ ዝቑጸር።

ገበን ወሲባዊ ዓመጽወሲባዊ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ብወለንታ ዘይተሳተፈ/ት ሰብ ዝግበር ዓመጽ ኮይኑ፡ ከም ምግሳስ ግን ኣይቁጸርን እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ንኻልእ ብሓይሊ ነብሳ ብነብሳ ክትድሰት ምስ ዝግድድ ወይ ድማ ንዓኣ እንዳተናኸፈ ንሱ ባዕሉ ንባዕሉ ክድሰት ምስ ዝፍትንን ክኸዉን ይኽእል።

ክልተ ሓደስቲ ገበናት

ኣብዚ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ፡ ክልተ ሓደስቲ ገበናት ኣለዋ፡ ምግሳስ ብዘይ ጥንቃቐ ከምኡ ድማ ወሲባዊ ዓመጽ ብዘይ ጥንቃቐ። እዚ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝወስዶ ወሲባዊ ስጉምቲ እቲ ሰብ ከም ዘይደሊ እንዳተጠራጠረ ወይ እንዳ ፈለጠ ዝዉሰድ ስጉምቲ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ፡ እቲ ወሲባዊ ርክብ ክገብር ዝደለየ፡ እቶም ኣብቲ ስጉምቲ ዝሳተፉ ድልየት ከም ዘለዎም ናይ ምርግጋጽ ግዴታ ኣለዎ።

ወሲባዊ ገበን ብማዕዶ

ምግሳስ፡ ወሲባዊ ዓመጽን ካልኦት ዓይነት ወሲባዊ ገበናት ብማዕዶ ክፍጸሙ ይኽእሉ እዮም፡ ንኣብነት፡ ብስልኪ ወይ ኢንተርነት። ከም ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ነቲ ሓደ ወሲባዊ ስጉምትታት ኣብ ነብሱ ብመንገዲ ናይ መርበብ ካመራ ንምፍጻም ምስ ዘገድዶ።

Lämna sidan direkt Dölj ditt besök