ካብ ነጻ ድልየት (ወለንታ)

ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ገዛእ ኣካላቱን ጾቱኡን ናይ ምዉሳን መሰል ኣለዎ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሽወደን ኣብ ወለንታ ዝተሞርኮሰ ሕጊ ወሲባዊ ገበናት ኣለዋ። ወሲባዊ ርክብ ብድልየት ክኸዉን ኣለዎ፡ እንተዘይኮነ ግን ገበን እዩ። 

ወለንታዊ ወሲብ ማለት፡ ሓደ ሰብ ብቃላት ወይ ብናይ ኣካላት ምልክት፡ ኣብቲ ወሲባዊ ስጉምቲ ናይ ምዉሳእ ድልየት ከምዘለዎ/ዋ ምስ እተርኢ/ዘርኢ ማለት እዩ። ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ምስማዕ፡ ምሕታት፡ ስምዒት ሰብ ምርዳእን ምኽባርን ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ማለት፡ ሓደ ሰብ ናይ ግድን ኣይኮነን ዓመጽ ወይ ምፍርራሕ እንተተጠቒሙ ጥራሕ ንወሲባዊ ዓመጽ ዝፍረድ።ሓደ ሰብ ንኻልእ ኣብ ተነቃፊ ኩነታት ዝርከብ ሰብ’ዉን እንተኾነ፡ ንኣብነት እቲ ሓደ ሰብ ሰኺሩ ምስ ዝነብር’ሞ ነቲ ኩነታት ተጠቒሙ ወሲባዊ ዓመጽ ምስ ዝፍጽም’ዉን ናይ ግድን ኣይኮነን ዓመጽ ወይ ምፍርራሕ ምስ ዝጥቀም ጥራሕ ዝፍረድ። ወሲባዊ ርክብ ብወለንታ ምስ ዘይከዉን ገበን እዩ።

ኩሎም ወሲባዊ ስጉምትታት ብወለንታ ክኾኑ ኣለዎም

ዝኾነ ሰብ ሓሳቡ ናይ ምቕያር መሰል ከምዘለዎ ኣይትረስዕ። ኣቐዲሙ እንታይ ከም ዘጋጠመ ወይ ድማ መን እቲ ተበግሶ ወሲድዎ ብዘየገድስ። እቲ ካልኣይ ኣካል ኣይደልን እየ እንዳበለ ወሲባዊ ስጉምትታት ንምክያድ ምቕጻል ገበናዊ ስጉምቲ እዩ። ንሓደ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ወሲባዊ ስጉምቲ ሕራይ ምባል፡ ንካልኦት ዓይነት ወሲባዊ ስጉምትታት የጠቓልል እዩ ማለት ኣይኮነን።

መራኸቢ መንገድታት

ንመርበብ ሓበሬታ ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም፡ ምስ በዓል መዚ ግዳያት ገበን ብ registrator@brottsoffermyndigheten.se ተራኸቡ።

ናብ ናይ በዓል መዚ ግዳያት ገበን መርበብ ሓበሬታ ሃሰስ በሉ

www.brottsoffermyndigheten.se. ኣብዚ ሓበሬታታት ብቡዙሓት ቋንቋታት መሰላት ግዳያት ገበን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ካብኡ ሓሊፉ’ዉን ከመይ ጌርካ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ ከም ዝትኽእልን መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ከመይ ከምዝካየድን ከተንብቡ ትኽእሉ።

Har du utsatts för att någon spridit sexuella bilder eller filmer på dig mot din vilja och vill delta i en enkätundersökning som Brottsoffermyndigheten genomför?

Brottsoffermyndigheten genomför under hösten 2025 en enkätundersökning med personer som på olika sätt utsatts för att ha fått bilder eller filmer på sig själva med naket eller sexuellt innehåll spridna utan samtycke. Syftet med undersökningen är att få kunskap om vad utsatta personer vill ha för hjälp när de har blivit utsatta. Den insamlade kunskapen kan sedan ligga till grund för att utse en stödjande aktör. Det är givetvis helt frivilligt att delta och alla medverkande är anonyma i enkäten. Enkäten tar ca 10 minuter att besvara.

Ta mig vidare
Lämna sidan direkt Dölj ditt besök