ብዛዕባ ወሲብ (ጾታዊ ርክብ) ምዝራብ

ወሲብ፡ ቅድምን ድሕሪኡን ደስ ዘብል ስምዒት ከሕድር ኣለዎ። ወሲባዊ ርክብ ምስ እትደሊ ብምስማዕን ምልላይ ምልክታትን ኣቓልቦ ክህልወካ ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ ኣካል እንታይ ከም ዝደለየ ንምፍላጥ ርግጸኛ ምስ ዘይትኸዉን፡ እቶም ምልክታት ብልክዕ ተርጉምካዮም ከም ዘለኻ ንምርግጋጽ ሕተት። ኣይትገምት ድማ። ብግምት ምኻድ፡ እንተኸፍአ ኣንጻር ድልየት ናይቲ ካልኣይ ሰብ ስጉምትታት ናይ ምዉሳድ ሳዕቤን ይኸዉንን ናይቲ ሰብ ክብረት ክትግህስን ክትጎደእን ትኽእል። ከም ምስ ዝኸዉን፡ ገበን’ዉን ትፍጽም ኣለኻ ማለት እዩ።

እቲ ካልኣይ ሰብ ከምይ ከም ዝተሰምዖ ንምፍላጥ፡ እቲ ዝሓሸ መንገዲ ምሕታት እዩ። እቲ ካልኣይ ኣካል እንታይ ከም ዝደልን ዝፈቱን ሕተት። ካልኣይ መንገዲ ድማ፡ ምንባብ ምልክታት ኣካላት፡ ኣብ ምልክታት ናይ ገጽ ምርኣይን ምስማዕ ቃናታት ናይ ድምጽን እዩ።

ሓገዝን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ/ካ

ግዳይ ናይ ወሲባዊ ዓመጽ ምስ እትኾኒ/ዉን፡ ፈጺሙ ናትኪ/ካ ጉድለት ኣይኮነን። ነቲ ዘጋጥመኪ/ካ ኩነታት ኩሉ ግዜ ሓገዝን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ/ካ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ምስ ዓርከ መሓዛ፡ ገላ ካብ ኣባላት ስድራ ወይ ድማ ካልእ እትኣምንዮ/ኖ ሰብ ምዝርራብ ከፍኩሰልኪ/ካ ይኽእል እዩ።   ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረቢ/ብ ምስ እትደልዪ/ደሊ ብርክት ዝበላ ዉድባት ስለዘዋ፡ ምስአን ክትራኸቢ/ብ ትኽእሊ/ል ኢኺ/ኻ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታና፡ ዝርዝር ናይ ሓገዝን ደገፍን ዝህባ ዉድባት ኣለዋ (ብቋንቋ እንግሊዝን ሽወደንን ጥራሕ)።

ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ደስ ዘየብል ዝኾነ ነገር ምፍጻም

ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ብዘይ ድልየቱ/ታ ወሲባዊ ስጉምቲ ምዉሳድ፡ ኩሉ ግዜ ጌጋ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ብዘይ ድልየታ/ቱ ወሲባዊ ስጉምቲ ወሲደ ኢልካ ምስ ትጥርጥር፡ ሓገዝ ክግበረልካ/ኪ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክትዛረብ/ቢ ተኽእልን/ሊን ባህርያትካ/ኪ ንምቕያር’ዉን ሓገዝ ይግበረልካ/ኪን። ንኣብነት ምስ መስመር ሓገዝ PrevenTellዝበሃል ክትራኸብ/ቢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።

ንዝያዳ ሓበሬታኣብ መርበብ ሓበሬታ ፕረቨንተልረአ (ብቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዝን ጥራሕ)

Har du utsatts för att någon spridit sexuella bilder eller filmer på dig mot din vilja och vill delta i en enkätundersökning som Brottsoffermyndigheten genomför?

Brottsoffermyndigheten genomför under hösten 2025 en enkätundersökning med personer som på olika sätt utsatts för att ha fått bilder eller filmer på sig själva med naket eller sexuellt innehåll spridna utan samtycke. Syftet med undersökningen är att få kunskap om vad utsatta personer vill ha för hjälp när de har blivit utsatta. Den insamlade kunskapen kan sedan ligga till grund för att utse en stödjande aktör. Det är givetvis helt frivilligt att delta och alla medverkande är anonyma i enkäten. Enkäten tar ca 10 minuter att besvara.

Ta mig vidare
Lämna sidan direkt Dölj ditt besök